ጅመርካ ምውዳእ ትምህርቲ ውልቃዊ ዕቤት

    1. መእተዊ - Introduction

    1. መእተዊ - Introduction (ቅድሚ ምምዝጋብና ነዛ ቪድዮ ንርኣያ)

    2. ምዕራፍ -1- ኣቓልቦኻ ይስረቕ ኣሎ ወይስ ይሕሎ?

    1. ምዕራፍ -2- ጀሚርካ ምውዳእ…… ራእይ ፡ሽቶ፡መደብ ፡ስጉምቲ ምውሳድ

    1. ምዕራፍ -3- ዕላማ ህይወት

    1. ምዕራፍ -4- ጀሚርና ምእንቲ ክንውድእ ንሕልምና ኣይነወንዝፎ

    1. ምዕራፍ -5- ስምዒታዊ ብልሒ-

ብሉጽ ትምህርቲ

  • $150.00
  • 11 hours of video content

Build your life on Purpose.

ነዚ ስልጠና ዝተመሃርዎ እንታይ ይብሉ?

ብሉጽ ትምህርቲ

ኤርምያስ ካብ ኣንጎላ

ወልድሽ ሓወይ ናይ እዚ ኣዝዩ ብሉጽ ዝኮነ ትምህርትካ ተኻፋሊ ስለ ዝኮንኩ ኣዝየ የመስግነካ። ኣዝዩ ብሉጽ ኣብ ህይወተይ ከኣ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ጀሚርካ ዘይምውዳእ ካባይ ጀሚርካ ናይ ብዙሓት ሰባት ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ጸገም እዩ። እዚ ትምህርቲ ግን ከመይ ንዝጀመርክዎ ኣብ መፈጸምታ የብጽሖ፡ ዝጀመርኽዎ ስለምንታይ ኣብ መፈጸምታ ዘየብጻሕክዎ? ክጅምሮ ዝደሊ ንዓይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክንሱ ብሎሚ ጽባሕ ዘይገበርክዎ ስለምንታይ? ኩሉ ጠንቁን ኣፈታትሕኡን ብዝግባእ ተማሂረዮ፡ ተረዲኡኒ ክገብሮ ጀሚረ። ንሱ ከኣ መደብ ብምግባር፡ ሸቶ ብምውጻእ፡ ውሱን ናይ ግዜ ገደብ ብምግባር፡ ግዜይ ብግቡእ ብምምሕዳር ፍርሐይ ብምግጣምን ብምስዓርን። ዓወት ማለት ዝጀመርካዮ ምውዳእ እዩ። ዝጀመክዎ ብምውድአይ ብዙሕ ትብዓትን ሞራልይን ደስታን ክረክብ ኪኢለ። ጎኒ ጎኒ ናይዚ ትምህርቲ ንመዓልቲ 6 ገጽ እንዳ ኣንበብኩ ሓደ መጽሓፍ ኣንቢበ ወዲአ ኣለኩ። በዚ ኣጋጣሚ ክቡር መምህር ወልድሽ ሓወይ ብልቢ የመስግነካ ኣምላኽ የዕዚዙ ይባርኽካ። ከምዚ ኣነ ዕድል ጌረ ነዚ ብሉጽ ትምህርቲ ብነጻ ዝረኸብክዎ ኩሉ ሰብ ዕድል ረኺቡ ክመሃሮ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ይምነየሎም። ኤርምያስ -Angola.

ከዕብየና ዝክእል ኣማራጺታት

ሳይሞን - GERMANY

ብመጀመርታ ሰላምታይ ብምቅዳም ወልድሽ ሓወይ ስለቲ ዘይሕለል ጻዕሪ ትገብሮ ዘለካ ሕብረተሰብና ኣብ ምህናጽን ምትብባዕን ካብ ልቢ ከመስግነካ ይደሊ። እቲ ካብ ኩሉ ዘገርመኒ ናይ ውልድሽ ከኣ እቲ ዘይጽንቀቕ ሓልዮትን ምትብቡዑን እዩ። ብሓቂ ንሕና ከም ሕብረተሰብ ኣብ ስደት ጃጂና ከይንተርፍ ከም ባዓል ወልድሽ ሓወና ኣምላክ ዝሃበና ህያብ ክብሎ ይክእል፡ ምክንያቱ እቲ ናቱ ምኽሪ መሬት ዘይወድቅ ወርቃዊ ቃላት እዩ። ናይ ብሓቂ ከም ትቕየርን ከም ትምዕብልን እዩ ዝገብረካ። ቀጺለ ኣነ ምስ ወልድሽ ሓወይ ተማሂረ። ብጣዕሚ ጽቡቅ ካብ ትጽቢተይ ወጻኢ ኮይኑ ረኺበዮ። ኩሉ እቲ ትምርቲ በቲ ዝርዳኣና ቛንቛ ኣብነት እናገበረ የረዳኣካ፡ ዝኮነ ሕቶ ተደሊካ`ውን ከይተሰከፍካ ትሓቶ። ብምቅሉል ኣዘራርባ ይምልሰልካ። ኣብ መወዳእታ በቲ ንዓና ከዕብየና ዝክእል ኣማራጺታት የማክረና። ተወሳኪ`ውን ሓሳብካ ይሰምዕ እሞ ናብ ኣውፋራይ ጌሩ ናብ ውሽጥኻ ኣራኺቡ የፋንወካ። ክሳብ መወዳእታ ምሳካ ኣሎ ወልድሽ ሓወይ ። ስለዚ እቶም ነዚ ዕድል ኣምሊጥኩም ዘሎ ኣሕዋት ኣጆኩም ምብጋስ ጥራይ እዩ ዘድሊ ተበገሱ ዝብል ምክሪ ክህበኩም ይደሊ። ሳይሞን - GERMANY.

ኣብ ህይወተይ ኮነ መነባብሮይ፡ ካብ እዚ ዘለኽዎ ክትስእ፡ ክልወጥ፡ ክዓቢ፡ ክፈልጥ ከምዘለኒ ግዴታይን ምርጫይን ምኻኑ ተረዲአ።

ዘቢብ - NORWAY

መጀመርታ ነዚ ስልጠና ኣጀሚሩ ዘፈጸመኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝተመስገነ ይኹን ። ቀጺለ ወልድሽ ሓወይ ንዓኻ ክገልጽ ቃላት ይሓጽረኒ። ብቓላት ክግለጽ ዘይኽእል ትምህርቲ'የ ተማህረ። ካብ እቲ ብዙሕ ብውሑድ ክገልጽ ክፍትን'የ ጀሚርካ ምውዳእ ትብል ኣርእስቲ ንባዕላ ብዙሕ ክትሓስብን መደባት ክትሰርዕን ከምዘለካ እያ ተተባብዓካ ። ነዚ ትምህርቲ ምስ ጀመርክዎ፡ ብዙሕ ዘይፈልጦ እየ ፈሊጠ። ኣብ ህይወተይ ኮነ መነባብሮይ፡ ካብ እዚ ዘለኽዎ ክትስእ፡ ክልወጥ፡ ክዓቢ፡ ክፈልጥ ከምዘለኒ ግዴታይን ምርጫይን ምኻኑ ተረዲአ። ነቲ ቀዳምነት ክህቦ ዝግበኣኒ ብንጹር ኣለልየ ሕጂ ክህብን ክጅመርን ከምዘለኒ ፈሊጠ። እንተደኣ ዘየኣለኽዎን ዘይወሰንኩን ግን ምስ ግዜ ዋጋ ከምዘኽፍለኒ ተረዲአ። ኣብ ኣጠቓቕማ ግዜየይ እታ ዝሓመቕኩ ሰብ`የ ኔረ ሕጂ ግን ኣብ እዚ ትምህርቲ ምስ ተማሃርኩ ብዙሕ ለውጢ ኣብ ህይወተይ ክሪኢ ጀሚረ። መደባተይ ብግቡእ ክሰርዖም ከምዘለኒ ምስ ሰራዕክዎ ከኣ ብዝተኻእለኒ ጀሚረ ክውድኦ ክዴታይ ምኻኑ ፈሊጠ። ዘቢብ - NORWAY.

ሜላ ምምራሕ ህይወት

ጸጋ -USA

ኣብዚ ጀሚርካ ምውዳእ ዝብል ናይ 3 ወርሒ ስልጠና፡ ካብ ሓውና ወልድሽ ዝተማሃርክዎ:-ኣምላኽ ክባርኽ ከሎ ሰብ ይህበካ ዝብል ጽኑዕ እምነተይ ኣብ ወልድሽ ሓወይ ረኺበዮ። ብእኡ ገይሩ ኣምላኽ ራኢ ናይ ህይወት ክህልወኒ: ሽቶታት ክሕንጽጽ: መደባት ክሰርዕ: ስጉምታት ክወስድ ብእኡ ከኣ ህይወተይን ህይወት ቤተሰበይን ክልውጥ ዘኽእለኒ ውርቃዊ ዝኾነ ትምህርቲ ምሂሩኒ። ቅድሚ ሕጂ ዘይፈልጦ ዝነበርኩ ወይ ከኣ ፈሊጠዮ ከሎኹ ብንጹር ዘይበርሃለይ ከም ብሓድሽ ብርሃን ኣብ ልበይ ከም ዝበርህ ገይሩለይ:: ሜላ ምምራሕ ህይወት ማለት:- ርእስኻ ምፍላጥ : ክብርታትካ ምዕቃብ: ዕላማ ህይወት:ብሉጽ ስነ ምግባርን ... እዝን ካልኦት ዓበይቲ ናይ ህይወት መቀይሮ ትምህርትታትን ተማሂረ። ሎሚ ከም ትማሊ ኣሎኹ ክብል ፈጺመ ኣይክእልን እየ ምኽንያቱ ዝሰነቅክዎ ትምህርቲ ዕምቆቱ ደረት የብሉን::ወልድሽ ሓውና ፍልጠቱ: ኣመሃህርኡ: ትሕትንኡ: ናይ ምስማዕ ክእለቱ: ልግሱ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ብሩኽ መምህር እዩ:: ህይወቱ ንሓዋሩ ክቅይር ዝደልይ ሰብ ናብዚ ተቀሪቡ ዘሎ መኣዲ ከየምልጠኩም ተቀዳደሙ::  ጸጋ -USA

ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ከኣ ህርድግ ይብል ኣለኹ።

ኣቤል - UK

ክብሪ ነዚ ጸዓት ዘቀመጠልካ ኣምላኽ ይኹን። ኣብዚ ትምህርቲ ውልቃዊ ዕቤት፡ ምስ ውሽጠይ ክዛረብን ንነፍሰይ ክፈልጣን ኪኢለ። ኣብ ህይወት ዘሎ ብድሆታት ድማ ክገጥሞን መውጺኢኡ ክፈልጦን፡ ክምሃር ካብ ዝሓገዘኒ ሓደ ትምህርቲ እዩ። ጀሚርካ ምውዳእ እቲ ዝኸበደን ዝቀለለን ምኳኑ ተገንዚበ ኣለኹ። ካብቲ ኩሉ ዝተመሃርኩዋ ከኣ ምውንዛፍ ነገራት ከኣ እቲ ዝኸበደኒ ምኳኑ ተማሂረ። ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ከኣ ህርድግ ይብል ኣለኹ። ኣብ ሕቶን መልስን ከኣ ልኡም ቃላት ምስ ግብራዊ ዝኮነ ሓሳባት ስለ ዝነበረ ብጣዕሚ ከሲበ። ነዞም ከምዚ ከማይ መገዲ ዓወት ትደልዩ፡ እዚ ትምህርቲ ከም ዝጠቅመኩም ርግጸኛ እየ። ንኹሎም ዓወቶም እንምነየሎም ከኣ ተኻፈልቲ ናይ እዚ ብሉጽ ትምህርቲ ክኾኑ ንንገሮም። ብሉጽ ሓሳብ ካብ ኩቡር ሰብ እዩ ዝመጽእ እሞ ንዑ ሓቢርና ብትብዓት ኣብ ጎደና ዓወት ንመላለስን፡ ብሓቦ ንቕድሚት ንገስግስን።  ኣቤል - UK